ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምርጫ ኣካይደን ዘይፈልጣ ሃገራት መን መን’የን?

Radio Erena: 18 February 2020

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኣብ ኣስታት 20 ሃገራት ሃገራዊን ባይቶኣውን ምርጫታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

መብዛሕተን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ መወዳእታ 50ታትን መጀመርያ 60ታትን ናጽነተን ካብ ዝረኸባሉ ዕለት ምርጫታት ከካይዳ ጸኒሐን’የን።

ኣብ ገሊኤን’ውን ዋላ’ኳ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሓደ ስርዓትን ሓደ መራሒን እንተለወን፣ ስማዊ’ውን ይኹን ምርጫታት ብስሩዕ ይእንገድ’ዩ።

ዋላ’ውን ኣብተን ዘውዳዊ ስርዓተ መንግስቲ ዘለወን ከም ሞሮኮ ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ባይቶኣዊ ምርጫታት ይካየድ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ እተን ድሒረን ናጽነተ ዝረኸባ ክልተ ሃገራት፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምርጫ ኣየተግበራን።

ብፍላይ ኤርትራ ናጽነታ ብወግዒ ካብ ዝረኸበተሉ ካብ 1993 ኣትሒዛ፣ ን27 ዓመታት ብዘይምርጫን ብሓደ ሰብን ትምራሕ ዘላ ሃገር’ያ።

ኤርትራ፣ ምርጫ ኣካይዳ ዘይትፈልጥ ሃገር ጥራይ ዘይኮነት ሃገራዊ ባይቶ ወይ ፓርላማ ዝብሃል’ውን የብላን።

ካብ ሱዳን ተፈልያ ካብ 2011 ኣትሒዛ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳንው’ን ንምርጫ ዝምችእ ሃዋሁ የብላን እናተባህለት’ያ ትግለጽ።

ኣብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ቀቢላታት ዲንካን ኑዌርን ኣብ ምፍጣጥ እትርከብ ደቡብ ሱዳን፣ ግዝያዊ መንግስቲ ንምቛም 5 መዓልታት ጥራይ’ዩ ተሪፉዋ ዘሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0