ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣንዋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ኣይተረኽበን

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ኣንዋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ኣይተረኽበን

Radio Erena: 14 December 2015

anwar mesg

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ማእከል ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ኣንዋር መስጊድ ብዓርቢ 11 ታሕሳስ ዘጋጠመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል ከምዘየለ ተሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዛጊት ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ዝሓበረ ሚኒስተር ዜና ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ መንግስቲ ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘጠንቕቕ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መስጊድ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግና ምስ ኣልሸባብ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይሰማምዑ።

 

ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ በንጻሩ፣ እቲ ኣብ መስጊድ ኣንዋር ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፣ ግጭት ንምስዋርን ብኣባላት ስለያ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነታቶም ይህብሉ።

እዚ ቦምባ ኢድ ብምድርባይ፣ 24 ሰባት ዘቑሰለ መጥቃዕቲ፣ ተማሃሮ ኦሮሞ ተቓውሞን ናዕብን ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ 2011 ኣብ ኣንዋር መስጊድ ዝፈለመ ተቓውሞ ኣመንቲ ምስልምና ናብ ሓያሎ ካልኦት ኣባያተ መሳጊድ ድሕሪ ምልሓሙ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት መንግስቲ እታ ሃገር ንሓያሎ ኣመንቲ ምስልምና ምስ ሽበራውን ናዕብን ብምኽሳስ ከምዝቐየዶም ኣይርሳዕን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0