ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጂቡትን ዝመደበሮም ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም

Radio Erena: 09 January 2016

Diplomats

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ጂቡትን ዝነበሩ ክልተ ዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣረጋጊጾም።

እቶም ምንጭታት ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጅቡቲ፣ ኣቶ ዑመር ሳልሕ ሰርማዒ ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝወሰነ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ድሕሪ ዝተወልዐ ግጭት፣ ጂቡቲ ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ መሓመድ ስዒድ መንታይ ካብታ ሃገር ክወጽእ ድሕሪ ምግዳዳ፣ እቲ ኤምባሲ ብፈጻሚ ጉዳያት ኣቶ ዑመር ሳልሕ’ዩ ክእለ ጸኒሑ።

ኣብ ጂቡቲ ን10ዓመታት ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ዑመር ሳልሕ ሰርማዒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዑቕባ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ነቲ ስርዓት ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ወልሓደ ወኪል የብሉን።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብተወሳኺ፣ ኣሎ ኣስገዶም ዝተባህለ፣ ቀዳማይ ጸሓፊ ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ብተመሳሳሊ ነቲ መንግስቲ ብምርሕራሕ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝወሰነ ጠቒሶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዋሚ ወኪሉ ኣብ 2011 ዳግም ካብ ዝኸፍት፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተላእኩ ዲፕሎማሰኛታት፣ ነቲ ስርዓት ክርሕርሑ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

ኣብ ግንቦት 2016’ውን ቀዳማዩ ጸሓፊ ናይቲ ወኪል መሓመድ እድሪስ ጃውጅ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርሕራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተተ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ደረቱ ዝሓለፎ ምልኽን ጭቆናን፣- ዲፕሎማሰኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ ኣብረርቲ ነፈርቲ -ፖይለታት፣ ቴክኒሻናት፣ መማህራን፣ ሓካይም፣ ተማህሮ፣ ሓረስቶትን ወትሃደራት፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም ይፍለጥ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0