ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ዋንነታ ብወግዒ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ

Radio Erena: 26 October 2021

ኣብ ኣስመራ ዝነበረት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ዋንነታ ብወግዒ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምርካብ ተሰናቢታ።

ኣብቲ ብሓሙስ 7 ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ናይ ዋንነት ናይ ምርካብ መስርሕ፣ ኣብ ቀጽሪ ‘ታ ቤት ትምህርቲ ንልዕሊ 100 ዓመት ተሰቒላ ዝነበረት ባንዴራ ኢጣልያ ብወግዒ ከምእትወርድ ተጌሩ።

ሓድሽ ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ማርኮ ማንቺኒ ብወገን ኢጣልያ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ምክትታል ጉዳያት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ድማ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዋንነት ሰነዳት ተረኻኺቦም።

ኣብ ኣስመራ ካብ እትምስረት 118 ዓመታት ከምዘቑጸረት ዝንገረላ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ካብ ለካቲት 2019 ኣትሒዛ ሓድሽቲ ተማሃሮ ከይትምዝግብን ተዓጽያ ክትጸንሕ’ዩ ተነጊሩዋ።

እታ ቤት ትምህርቲ ከይትህገር፣ ሓያሎ ኢጣልያውያንን ምስታ ቤት ትምህርቲ ምትእስሳር ዘለዎምን ወገናትን ናብ መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን ምሕጽንታን ጥርዓናትን ከቕርቡ እኳ እንተጸንሑ፣ ካብዚ ወርሒ’ዚ ኣትሒዛ ግና ብወግዒ ንብረት መንግስቲ ኤርትራ ኮይና ኣላ።

ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ኤርትራ ባይታ ዘቢጥሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ናይ ገንዘብ ዓቕሚ ዘለዎም ወለዲ፣ ንደቆም ናብዛ ዝሓሸ ኣካዳምያዊ ኣገልግሎት ክትህብ ዝጸንሐት ናይ መባእታን ካልኣይ ደረጃን ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ኣብ ኣስመራ’ዮም ክልእኩ ጸኒሖም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከባ ልዕሊ 12 ኣብያተ ትምህርቲን ሕክምናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ’ውን ከምዝሃገረ ይፍለጥ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0