ኣብ ኣስመራ ንዋንነት ኩፖን ምጽራይ ክግበረሉ’ዩ

ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ንመዕደሊ ወርሓዊ መቝነን ኣብ ዱኳን ሕድሪ ዘገልግል ኩፖን ዳግም ምጽራይ ክግበረሉ’ዩ።

    ህዝቢ ወርሓዊ መቝነን ካብ መንግስታዊ ኣብያተ ሸቐጥ ማለት ዱኳን ሕድሪ ብርትዓዊ ዋጋ ንምሽማት ከኽእሎ ተባሂሉ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተኣታተወ ኩፖን፣ ኣውራ ዕላምኡ ስድራ ቤታት ንምቁጽጻር ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዉ ብሰፊሕ ይንገረሉ።

    እዚ ሕጂ ዳግም ክካየድ’ዩ ዝብሃል ዘሎ ምጽራይ ኩፖን፣ ዋሕዚ ናብ ስደት ኣመና ገኒንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ናይ ዝሃድሙ ዘለዉ ኣባላት ስድራ ንምፍላጥን ናይ መቑነን ምትዕርራይ ንምግባርን፣ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ዝንገር።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ምምሕዳራት ኣስመራ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዘተኣታተዎ ኩፖን፣ ኣላዩ ስድራ፣ ብዝሕን ስም ዝርዝርን ኣባላት ስድራን ዝተጻሕፎ’ዩ።

    ብመንገዲ’ዚ ኩፖን እዚ ድማ፣ ደቅኹም ስግረ ዶብ ከይዶም ንዝተባህሉ ኣባላት ስድራ ሓምሳ ሽሕ ክቕዑን ኣብ ገለ እዋን ድማ ብኩፖን ዝዕደል መሻርፍ ክእገዱን ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

    እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ብስደት ዘይተጸልወት ኤርትራዊት ስድራ ስለዘየላ፣ እቲ ናይ 50 ሽሕ መቕጻዕቲ ብስሩዕ ይስርሓሉ የለን።

    በዚ ሕጅ ዝካየድ ዳግመ ምጽራይ ኩፖን ድማ መንግስቲ ብዝሒ ነበርቲ ምምሕዳራት ንምርግጋጽ፣ ተወሳኺ ብረት ዝዕድለሉ መንገዲ ንምንዳይ ምዃኑ’ውን ህዝቢ ስክፍታታቱ ይገልጽ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0