ኣብ ኣመሪካ ክልተ ደቀንስትዮ ብመኪና ብምግጫው ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

Radio Erena: 10 July 2020

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክልተ ደቀንስትዮ ብመኪና ብምግጫው ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ዳዊት ቀለተ ዝተባህለ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣብ ዋሺንግተን ስተይት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ እዩ ነቲ ሓደጋ ከምዝፈጸሞ ዝግለጽ ዘሎ።

ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣንጻር ዓመጽ ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ዘካዪዱዎ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንገዲ ዓጽዮምኒ ብምባል በቲ ህዝቢ ተኣኪቡዎ ዝነበረ ከባቢ ክሓልፍ ኣብ ዝፈተነሉ እዩ፣ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፋ ንዝነበራ ክልተ ደቀንስትዮ ብመኪና ሃሪሙወን።

ሓንቲ ካብተን ግዳያት፣ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጻሓ ክትመውት እንከላ፣ እታ ካልኣይቲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረላ ከምዘሎ፣ ምንጭታት ዜና የረጋግጹ።

ዳዊት ቀለተ በዚ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ፣ ክሳብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክፍረድ ከምዝኽእል ክኢላታት ሕጊ ይእምቱ።

እቲ ንዕለት 22 ሓምለ ተቖጺሩ ዘሎ ጉዳይ ዳዊት ቀለተ ዝርእይ መጋባእያ ዕለቱ ክሳብ ዝኣክል፣ ኣኽባር ሕጊ ናይ 1.2 ሚልዮን ዶላር ዋሕስ ሓቲቱ’ሎ።

ፖሊስ ዋሺንግተን ስተይትን ኤፍ.ቢ.ኣይ.ን፣ ዝያዳ መርትዖታት ንምእካብ ገና ኣብ መርመራ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና የመልክት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0