ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዘውረዶ ዕንወት፣ ብፈረንሳ ክጽናዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ

Radio Erena: 15 March 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ዘውረዶ ዕንወት፣ ብመንግስቲ ፈረንሳ ክጽናዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘሓተተ ተሓቢሩ።

እዚ ዝተሓበረ፣ ብምኽንያት መበል 125 ዓመት ምምስራት ዲፕሎማሲን ፈረንሳን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተገብረ ርክባት ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ወገናት’ዩ።

ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ’ዚ ንፈረንሳ ከምዘቕረበ ዘረጋገጸ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ረሚ ማርሾ፣ ኢትዮጵያ ካብ ዝስዕብ ዕንወት ክትድሕን እትኽል፣ ኵናት ብምውጋድን ኩሎም ኣካላት ዝሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ምስ ዝዕወት ጥራይ’ዩ ክብል ኣስሚርሉ።

መርገጺ ፈረንሳ ካብ ፈለምኡ፣ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብዘተ ምፍታሕ ዝብል ምንባሩ ዘመልከተ እቲ ኣምባሳደር፣ ሃገሩ እዚ መድረኽ እዚ ኣብ ምጥጣሕ’ውን ክተተሓጋገዝ ቅርብቲ ምህላዋ ጠቒሱ።

መንግስቲ ፈረንስ መጽናዕቲ ከካይደሉ ዕድመ ቀሪብሉ ዘሎ ዕንወት፣ ብፍላይ ኣብ ናይ ጥዕና፣ ትምህርቲን ልምዓትን ጽላታት ዘተኮረ ኮይኑ፣ ኣብ ዳግመ ሕውየት ክግበር ዝኽእል እማመታት ‘ውን ዘካተተ’ዩ።

ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኵናት ኢትዮጵያ፣ ነታ ሃገር ቅድሚ 30 ዓመታት ናብ ዝነበረቶ ሰብኣዊ ቅልውላውን ውድቀት ቁጠባን መሊሱዋ ከምዝርከብ ‘ዩ ዝግምገም።

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምብርባር ገዚፍ መደብ ዝነበራ ፈረንሳ፣ ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ምስታ ሃገር ዝነበራ ወትሃደራዊ ስምምዓት ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ’ያ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0