ኣብ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ሃይማኖታዊ ግጭት ከምዘጉሃዮ፤ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 08 May 2022

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን ግጭት ምክያዱ፤ ከምዘጉሃዮ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባሸለት ብቀዳም 07 ግንቦት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፤ እዚ ናብ መላእ እታ ሃገር እንዳስፋፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖት ዝመንቀሊኡ ግጭት፤ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምግላጽ፤ ማእከላይ መንግስቲ’ታ ሃገር ቅጽበታዊ መፍትሒ ክገብረሉ ጸዊዓ።

ብሰንኪ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጎንደር ዝጀመረ ሃይማኖት ዝመንቀሊኡ ግጭት፤ዛጊት ህይወት 30 ሰባት ክወስድ እንከሎ፤ ብውሑዱ 100 ሰባት ከኣ ብከቢድን ፎኲስን ቆሲሎም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።

ሚሸል ባሸለት ኣብ መግለጺኣ፤ ብዕለት 26 ሚያዝያ ኣብ ዝጀመረ ግጭት፤ ክልተ መሳጊድ ክቃጸሉ እንከለዉ፤ ክልተ ከኣ ከፊላዊ ዕንወት ከምዝወረዶም፤ ከም ግብረመልሲ ናይ’ዚ፤ ሓሙሽተ ቤተክርስቲያናት ክቃጸሉ እንከለዉ፤ ክልተ ሰባት ብሓዊ ምቅጻል ከምዝተቐትሉ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዝበጽሓ ኣመልኪታ።

ሓይልታት ጸጥታ 578 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም እኳ እንተለዉ፤ መንግስቲ’ታ ሃገር ጽጹይ ምክትታልን መጽናዕትን ብምክያድ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርብ እታ ኮሚሽነር ጸዊዓ።

ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኸተለ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት እንተተዋሂቡ፤ ከምዚ ዓይነት ኣሰቃቒ ተርእዮታት ንኸይድገም ሓጋዚ’ዩ ብምባል ኮሚሽነር ባሸለት ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0