ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ኢድ ኔሩኩም ዝተባህሉ ልዕሊ 180 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

Radio Erena: 26 June 2019

 

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ዝተሳተፉ ተባሂሎም ብዉሑዱ 13 ኣባላት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ሺን ሁ ዋ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ሺን ሁዋ ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ብ25 ሰነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሸውዓተ ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ፍጻሜ ከምዝተቐተሉ ኣመልኪቱ።

ሓላፊ ፖሊስ’ቲ ዞባ ኣበረ ኣዳሙ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፣ ሽዱሽተ ኣባላት ጸጥታ ነቲ ፈተነ ዕልዋ ንምፍሻል ኣብ ዝገበሩዎ ግጥም ክቕተሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ኣርባዕተ ከኣ ብከቢድ ቆሲሎም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

እቲ መርመራ ገና ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ፖሊስ’ቲ ዞባ፣ ዛጊት ብርጌደር ጀነራል ተፈራ ማሞ ዝርከቦም ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን መጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ምስቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ ዝተኣሳሰረ ሙዃኑ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ፍጻሜ ኣብ ዝኾነነሉ ገሊጹ’ዩ።

ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝቐተለ ሓላዊኡ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ እሞ ኣብቲ ፍጻሜ ህይወቱ ባዕሉ ኣሕሊፉ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ዜና፣ እቲ ሓላዊ ከምዘይሞተን ተወጊኡ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎን ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቐዲሙ ‘እቲ ሓላዊ ሞይቱ’ ኢሉ ንዝሃቦ መግለጺ፣ ይቕሬታ ሓቲቱሉ ኣሎ። ንቅትለት ሰዓረ መኮነን ብዝምልከት ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ በብእዋኑ ይቀያየር ምህላዉ፣ እቲ መርመራ ገና ከምዘይተጻፈፈ እዩ ዘመልክት።

ብደረጃ ሃገር፣ ኣብዚ ክልተ ፍጻሜታት ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ሰባት ብዉሑዱ 180 በጺሑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ይገልጻ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0