ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣብ ሰባት ጉድኣት ወሪዱ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣብ ሰባት ጉድኣት ወሪዱ

Radio Erena: 22 December 2014

Bahir Dar

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኣብ ሓያሎ ሰባት ጉድኣት ከምዝወረደ ተገሊጹ።

ኣመንቲ ኦርቶኦክስ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ከተማ ባህር ዳር በዓላት መስቀልን ጥምቀትን ዘኽብርሉ ሜዳ ምምሕዳር እታ ከተማ ንልምዓት ኣድልዩ ብዝብል ምኽንያት ክፈርስ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ተቓውሞ ከምዝተላዕለ’ዩ ጸብጻብ ሪፖርተር ዘመልክት።

እቶም ነቲ ናይቲ ምምሕዳር ውሳኔ ዝተቓወሙ ኣመንቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ናብ ቀጽሪ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ወሪሮም ድሕሪ ምእታዎም፣ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ንምብታኖም ኣብ ዝወሰድዎ ስጉምቲ’ዩ ሓያሎ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ቆሲሎም።

 

ብሰንኪ እቲ ዓርቢ 19 ታሕሳስ ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ በቲ ከባቢ ዝመላለሳ መካይን’ውን ተዓጊተን ከምዝወዓላ’ዩ ተገሊጹ።

ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምብትትታን ጎነጽ ከምዝተጠቕመ ዝሓበሩ ነበርቲ ከተማ ባህር ዳር ብዘይካ’ቶም ዝቖሰሉ ሰለስተ ዝሞቱ ከምዘለዉ’ውን ኣመልኪቶም።

እንተኾነ እቲ ሓበሬታ ክረጋገጽ ከምዘይክኣለ ሪፖርተር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ከንቲባ ከተማ ባህርዳር ኣቶ ላቀ ኣያለ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ንናይቲ ክልል ሬድዮ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ንምስፋሕ ጽርግያ ተወጢኑ ክፈርስ ዝተባህለ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ዝካየደሉ ሜዳ፣ ህዝቢ እንተዘይተቐቢልዎ እቲ ምምሕዳር ክተዓጻጸፍ ከምዝኽእል ኣረዲኡ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0