ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ማእሰርትን ንብረት ምዝማትን ገና ይቕጽል

Radio Erena: 27 December 2020

ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኣባላት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንነቶም ዘይተፈጡ ዕጡቓትን፣ ዝወርዶም ዘሎ ማእሰርትን ንብረት ምዝማትን ገና ይቕጽል ኣሎ።
ብሓሙስ 24 ታሕሳስ ካብቲ ዝተወለዐ ኲናት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበዝሑ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
እዞም ኣስታት 40 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዛጊት ኣብ ግዚያዊ መዳጎኒ ከምዝርከቡ ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታትና ሓቢሮም።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብዓርቢ 25 ታሕሳስ ናይ ንግሆ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽ ንዓዲ ኣርቃይ ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ካብ ዝጎዓዙላ ዝነበሩ ኣውቶቡስ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብተደግጋጋሚ ዝምታን ጭውያን ብፈደራላዊ ሰራዊት፣ ብዕጡቓት ክልል ትግራይን መንነቶም ዘይፍለጡ ዕጡቓትን ይፍጸም ምህላዉ ብተደጋጋሚ ብቃለ መሕትትትን ብዜናን ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።
እቶም ብኣስገዳድ ናብ ዝነበርዎ መዓስከራት ከምዝመለሱ ዝተገብሩ ክሳብ ሕጂ ብዘይካ ውሱን መሳርፍ፣ ካልእ ዝተገብረሎም ሓገዝ ብዘይምህላዉ ብሕማም ውጽኣትን ዓሶን ናይ ዝሳቐዩ ዘለዉ ቁጽሪ እናዛየደ ይመጽእ ከምዘሎን፣ ብተደጋጋሚ እንተጠርዑ ሰማዒ ከምዘይረኸቡን ካብቶም ግዳያት ዝመጽኣና ሓበሬታ ይሕብር።
ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝውርድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ብህጹጽ ደው ከብሎን ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ናይ ምጥያስ መደብ ከቀላጥፈሎምን እቶም ኤርትራውያን ጻውዒት የቕርቡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    Ezi guday ezi ab haxir gezia dew nekbel behansab bemxina nehab

  • comment-avatar
    Seray 3 years ago

    Rip tplf