ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ዝርከቡ፣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

Radio Erena: 21 April 2019

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ፣ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ኣቡነ እንጠንዮስን ናብ ህዝቢ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቲ ብቪድዮ ተቐዲሑ ፣ ብ19 መጋቢት ኣብ መርበብ ሓበሬታ tewahdo.org ሰፊሩ ዘሎ መልኣኽቲ፣ ወዲ 94 ዓመት ኣቦና እንጠንዮስ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስትያን ዝገልጽ ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ 2017 ህግደፍን ልኡኻቱ ዝኾኑ መራሕቲ ሃይማኖትን ንፕሮፖጋንዳ ዝፈተንዎ ናይ ዕርቂ ተዋስኦን ዘቃልዕ’ዩ።

ልኡኻት ህግደፍ ዝኾኑ ክልተ ጳጳሳት ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዘካየድዎ ዘመተ፣ ንኣቡነ እንጠንዮስ ብምጽላም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ይቕረ ስለዝበሉ፣ ዕርቂ ከምዝተኻየደ ክዛረቡ መላእ ምእመን ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን ከምዝሰምዖም ይዝከር።

 ይኹን’ምበር ነቲ ድሮ ህዝቢ’ውን ፈሊጥዎ ዝጸንሐ ሓሶትን ፕሮፖጋንዳን ናይቶም ልኡኻት ህግደፍ ዝኾኑ ጳጳሳት፣ ብልሳን ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቦነ እንጠንዮስ ፍሩስ ምዃኑ ካብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ምርዳእ ይከኣል።

 

ንምሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    SIMON YOHANNES 5 years ago

    FAKE NEWS

  • comment-avatar
  • comment-avatar

    መጀመርያ፡ክነግረኩም፡ከም፡ዕድመ፡ሓበሻ፡ዝሓጵር፡የልቦን፡ከይተሰማማዕና፡ዕድሜና፡ንውድእ፡አነ፡አብ፡ዕድመይ፡ጵቡቕ፡ነገር፡አይክርእን፡እዬ፡አይክሰምዕን፡እዬአይታሓዙለይ፡ክሳብ፡ዓለም፡ዘለኹ፡ክሰምዕ፡እዬ፡፡

  • comment-avatar

    Radio hasot teasinom temewilom zserhu bhusurat gazietegnatat zmehalalef nay hasot radio eyu