‘ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቝቦም ዝነበሩ 12 ኤርትራውያን ተጨውዮም’

Radio Erena: 18 October 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተዓቝቦም ዝጸንሑ 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ሰሊኾም ብዝኣተዉ ዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ኮሚተን ወደብትን ሰለማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ 12 መስከረም ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ሃለዋቶም ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ ከምዘይክኣለ ዝሓበሩ መቕርቦምን ኣባላት እታ ኮሚተ ዝኾኑ፣ መርጌታ ሰለሙን ተስፋማርያምን ግደይ ተስፋዝጊን፣ ኣብቲ መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ጽላል UNHCR ዝተመዝገቡን ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘይነበሮምን ምዃኖም ኣስሚሮምሉ።

ካብቶም ዝተጨውዩ 12 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዛጊት ስማቶም ተረኺቡ ካብ ዘሎ፣- ዳኔኤል ዐቕባዝጊን ሃይለዝጊ ፍሰሓጼንን ካብ መዓስከር ማይ-ዓይኒ፣ መኮነን ታረቀ ኣቐዲሙ ቅድሚ ምዕናዉ ኣብ መዓስከር ሽመልባ ዝነበረ፣ ሳሚን ኣሮንን ዝተባህሉ ስም ኣቦታቶም ዘይረኸብናዮ ድማ ካብ መዓስከር ዓዱ-ሓሩሽ’ዮም።

ኩነታት መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ስለዝሰኣነ፣ ብዘይካቲ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ከቢድ ስእነት መግቢን መሰረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎታትን፣ ግዳያት ዝምታን መጭወይቲን ዕጡቓትን’ውን ይኸውን ምህላዉ እቶም ክልተ ኣባላት ኮሚተ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ኣብቲ መዓስከራት፣ ሰሊኾም ብምእታው ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጨወዩ መንነቶም ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይከኣል፣ ዕጡቓት ህውሓት ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ጥርጣረታት ግን ኣሎ።

እቶም ኣባላት ኮሚተ ኣብ መወዳእታ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዩጵያ፣ ብወገኑ፣ ድሕነት እዞም ግዳያት ኩሎም ሓይልታት ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሕሉ፣ ናብ ውሑስ ቦታ ንምስግጋሮም መንገድታት ክኸፍት ከምኡ ድማ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ዝኸተሞ ውዕል ከኽብርን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ንላቦ።” ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብ17 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ብናይ UNHCR ተወዲቡ 54 ኣደ-ቆልዑን ህጻናትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛት ካብ ክልል ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽን ሽረን ናብ ክልል ዓፈር ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ባርሓለ ንምግዓዞም ኣብ ዝነበረ መስርሕ፣ ኣታኽልቲ ኣብርሃለይን ሙሉጌታ የማነን ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ብዕጡቓት ካብ ዑቕባ UNHCR ተፈልዮም ናብ ዘይተፍልጠ ቦታ ምስ ተወስዱ፣ ክሳብ ሕጂ ደሃዩም ከምዘይተፈልጠ ንቤተ-ሰብ ግዳያት ብምጥቃስ ካልኦት ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    #stop eritrea killing