ኣብ ትግራይ፣ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ከይከውን ዘጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ብዝቐልጠፈ ክኣቱ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ትካል ጸዊዓ

Radio Erena: 04 March 2021

ኣብ ትግራይ፣ ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ከይከውን ዘጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ብዝቐልጠፈ ክኣቱ፣ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ናይቲ ትካል፣ ሚሸል ባሸለት ጸዊዓ።

ንሳ፣ ሎሚ ሓሙስ 04 መጋቢት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን፣ ኣልማማ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ናይ ኵናት ገበናት ኣካይዶም ንዝብል ጸብጻባት፣ ብሕቡራት ሃገራት ክጻረ ሓቲታ።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ነርወይን ኢስቶንያን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ብናጻ ኣህጉራዊ ኣካል ክጻረ ይጽውዓ ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ እባ ጉዳይ ትግራይ ዘተኮረ ዕጹው ኣኼባ ከካይድ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0