ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝጸንሐ ወጥሪ ኣጋዲዱ

Radio Erena: 19 September 2019

ኣብ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብን፣ ማእከላይ ምብራቕን ንዝጸንሐ ወጥሪ ብዝበኣሰ ኣጋዲዱዎ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኢድ ኢራን ኣለዎ ዝብል መርገጺታት ኣመሪካ ዝመራሒተን ሓያሎ ሃገራት፣ ንርቡጽ ኩነታት እቲ ዞባ፣ ካብ የመን ናብ ኢራን ከዝብሎ ከምዝኽእል ትንታነታት ይወሃቦ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፐዮ፣ ድሕሪ’ዚ መጥቃዕቲ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ተበግሱ ኣሎ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ ከምዘካየዶ እኳ ብወግዒ እንተገለጸ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ግና፣ ንኢራን’የን ዝኸሳ።

ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ፣ እቲ መጥቃዕቲ “ብኢራን ከምዝተፈጸመ መርትዖ ከቕርብ’የ” ክትብል እያ ትገልጽ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ንፍርቂ ካብ ፍርያት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ክጸሉ ብምኽኣሉ፣ ዋጋታት ነዳዲ ዓለም ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝቐልጠፈ ክጽገን ብምኽእሉ፣ ፍርያት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ናብ ንቡር ከምዝተመልሰ’ዩ ዝጥቀስ ዘሎ።

ንመጻኢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይመጽኣ ዝሰግአት ስዑዲ ዓረብ፣ ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ክወስድ’ያ ትጽውዕ።

ብኢራን ከምዝድገፍ ዝንገረሉ ሑቲ ናይ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ እንተቐጺላ፣ ዝኸበደ ግብረ መልሲ ክትጽበ ከምዘለዋ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ኤርትራ እትርከበን 31 ሃገራት ብልፍንቲ ዘሰለፈት ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ልዕሊ 30 ቢልዮን ዝተገመተ ኣጽዋራ፣ ንሑቲ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ከተንበርኾ ኣይከኣለትን ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘይተጸበየቶ ተሪር ግብረ መልሲ’ዩ ዝገጥማ ዘሎ ክብሉ ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0