ኣብ ቦኽሪ ስታፌኡ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ማልያ ዓቀብ ዝተዓወተ ዳኒኤል ተኽላሃይማኖት፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ

ኣብ ቦኽሪ ስታፌኡ፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ማልያ ዓቀብ ዝተዓወተ ዳኒኤል ተኽላሃይማኖት፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ

Radio Erena : 10 July 2015

Dan

ኣብ ዙር ፈረንሳ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤምቲኤን ኩቤካ ዝወዳደር ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ ቦኽሪ ስታፌኡ ናይዚ ብዕብየቱ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም፣ ትማሊ ሓሙስ 9 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ሻድሻይ መድረኽ ናይቲ ውድድር ማልያ ዓቐብ ተዓዊቱ።

ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን፣ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ መጀመርያ ጸለምቲ ኣፍርቃውያን ብምዃን ታሪኽ ሰሪሖም ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ቦኽሪ ምስታፉ ዳኒኤል ማልያ ዓቐብ ምዕዋቱ፣ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ዓለም ብፍላይ ድማ ኣተኩሮ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ስሒቡ ይርከብ።

 

ዙር ፈረንሳ ክሳብ 24 ሓምለ ክቕጽል’ዩ።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ጎደና ሻን-ዘ-ሊዘ ኣብ ዝካየድ ናይ መዛዘሚ ውድድር፣ ኤርትራውያን ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን ንኤርትራዉያን ተቐዳደምቲ ንምድጋፍ ናብቲ ከባቢ ክውሕዙ ትጽቢት ኣሎ።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0