ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ንውሳኔ ካብ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩ ተበይንሎም

ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ንውሳኔ ካብ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኣርባዕተ ዓመት ክሳብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩ ተበይንሎም

Radio Erena: February 12, 2014

mai Ayni 12

ብጉዳይ ምልዕዓል ኤርትራውያን ተቓውሞ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ገበነኛታት ተባሂሎም ብሰኑይ 10 ለካቲት ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ንውሳነ ካብ ዝቐረቡ ሸሞንተ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ሰለስተ ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩን 7 ሽሕ ብር ክኽፍሉን ክብየነሎም እንከሎ፣ እቶም ሰልስተ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩን 3 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ተበይንሎም ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ንኽልተ ድማ ናጻ ኣፋንዩዎም።

ብመሰረት እቲ ተዋሂብዎም ዘሎ ብይን፣-

 

1. ኤፍሬም ይሕደጎ ወልደገብርኤል
2 ዳኒኤል ሚካኤል ተስፋይ
3. የዕብዮ ትንሱእ ሓደራ፣ ነቲ ብ5ን 6ን ጥቕምቲ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዝተላዓዓለ ተቓውሞ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምውዳቦምን ብሰንኩ ድማ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ብምብጽሑን ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ዓመት ክእሰሩ፣ ሸውዓተ ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉ’ዮም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተሓባበርቲ ኔርኩም ዝተባህሉ፣-

4. ኣማኑኤል ሓድገምበስ ተስፋማርያም
5. ሙሴ እሰይ ሰንጋል
6. የማነ ገብረሚካኤል በርሀን ድማ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩን 3 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ተበይንሎም ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንመምህር ሽናሽን በየነ ኣባይን ምሕረትኣብ በርሀ ገብረእግዚኣብሔርን ናጻ ከምዘፋነዎም’ውን ተፈሊጡ።

እዞም ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘካየድዎ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዘይሕጋዊ ሰልፊ ብምክያድን ብሰንኩ ድማ ኣስታት 125 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ብምዕናውን ዝተኸሰሱ ኤርትራውያን፣ ኣብቲ መዓስከር ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመት ዝጸንሑ ምዃኖም’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

መብዛሕቶም ሰብ ሓደርን ቆልዑ ዘለውዎምን ብምዃኖ፣ እዚ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘሕለፎ ብይን ኣብ ህወይቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መዓስከራት ዝጸንሑ መንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መነባብሮ ስድራቤቶም’ውን ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ’ዩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣቐዲሙ፣ ምስዞም ክሱሳት ንዝቐረበ መም. ተስፋሚካኤል ገብረማርያም መብራህቶም ብናጻ ከፋንዎ እንከሎ፣ በቲ ኣብ ዓዲ ሓሩሽ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ተቓውሞ ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርራውያን ድማ ንነፍሲ ወከፎም 2 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ክእሰሩን ክልተ ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ከምዝበየነሎም ኣይርሳዕን።

ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንጻር ምሕደራ እቲ መዓስከራት ብምቅዋም ብ5ን 6ን ጥቕምቲ 2013 ኣብ ዘካይድዎ ሰልፊ፣ ፖሊስን ምልሻን ነቲ ሰልፊ ንምብታን ቶኽሲ ብምኽፋቶም ሓደ ኤትትራዊ ክቕተል እንከሎ፣ ሓይሎ ድማ ከምዝቖሰሉ ዝፍለጥ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0