ኣብ ባይቶ ኣመሪካ፣ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘትዩ

Radio Erena: 15 September 2016

US

እቲ ኮሚተ፣ ኤርትራ፣ ዝተነጸለት ዞባዊ ስግኣት ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ብሮቡዕ 14 መስከረም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ ንሰፊሕ መብርሂታትን ምስክርነትን ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፣ ምክትል ዳይረክተር ኣትላንቲክ ካውንስል ብሮንውን ብሩተን፣ ዳይረክተር ዝምድናታት ወጻኢ ናይታ ኣብ ስደት እትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣባ ሃብቱ ገብርኣብን ካብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ከኣ ዶክተር ካልድ በሽርን’ዩ ሰሚዑ።

ኣብቲ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዝቀጸለ ዘተ፣ ባይቶ ኣመሪካ ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ፣ ንዝተፈላለየ መብርሂታትን ምስክርነታትን እዞም ኣርባዕተ ተጋባእቲ ድሕሪ ምስማዕ፣ ንህሉው ሰብኣዊ ኩነታትን ኤርትራ እትርከበሉ ፖለለቲካዊ መድረኽን፣ ምስ ናይ ጎረባብቲን ካልኦት ሃገራትን ብምዝማድ ቦምቆት ዘትይሉ።

 

ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ዝርከብ ኮይኑ፣ ኣመሪካ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ከምዘይብላ ይፍለጥ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0