ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኮለላ ከተካይድ ዝጸንሐት ዓባይ ወትሃደራዊ መርከብ ኢራን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዓ

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኮለላ ከተካይድ ዝጸንሐት ዓባይ ወትሃደራዊ መርከብ ኢራን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዓ

Radio Erena: April 9, 2014

Iran ship

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራዊ ኮለላ ከተካይድ ዝጸንሐት ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተጸጊዓ።

እታ ሄሊኮፕተራትን ከበድቲ መዳፍዕን ክትስከም እትኽእል መረክብ ሚሳይላት ዝዓጠቐት መረክብ፣ ካብ ህንዳዊ ውቕያኖስ ተበጊሳ ብወሽጥ ዓደን ኣቢላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኮለላ ከተካይድ ዝጸንሐት ምዃና ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።

 

ኣብ ወደብ ጅቡቲ ድማ ንሰለስተ መዓላትት ክትጸንሕ’ያ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ሪር ኣድሚራል ሓቢቦላህ ሳያሪ፣ ህላወ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንውሕስነት ንግዳውያን መራኽብ እታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቓስ፣ ነዛ መርከብ ምስ ጭፍርኣ’ውን ነዚ ትልእኾ’ዚ ከምዘዋፈሩዋ ኣረዲኡ።

ኢራን ወትሃደራዊ መራኽባ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፍር እኳ እንተኾነት፣ ኣብቲ ዞባ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ግና ከምዘይብላ’ያ ትግለጽ።

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ከምእትሕልን’ውን ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።
===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0