ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ብዝተተኽለ ተንሳፋፊ ነታጕ፣ ነዳዲ ዝጸዐነት መርከብ ዓንያ

Radio Erena: 29 October 2020

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ገማግም የመን፣ ብዝተተኽለ ተንሳፋፊ ነታጕ፣ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ ከምዝዓነወት ምንጭታት ማሪታይም ኣቃሊዖም።

እታ MV Syra ዝተባህለት፣ ባንዴራ ማልታ እተንበልብል መርከብ፣ ካብ ወደብ ቢር ዓሊ ናይ የመን ዝጸዓነቶ ኣስታት 500 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ፣ ጽዒና ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እናተጓዓዘት’ያ እቲ ዕንወት ወሪዱዋ።

እታ መርከብ፣ ብዝወረዳ ዕንወት ከምዝጠሓለትን ጽዒናቶ ዝነበረት ፍርቂ ሚልዮን በርሚል ድማ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ይብክል ምህላዉን ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እታ መርከብ፣ ምስ ዘይተፈልጠ ኣካል ከምዝተጋጨወት ዝገለጹ ካልኦት ወገናት፣ ድሕሪ ዝረወዳ ዕንወት፣ ነዳዲ እናልሓኾት ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክትበጽሕ ከምዝኸኣለት ጠቒሶም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትኹን መንግስቲ የመን ብዛዕባ’ዚ ነዳዲ ኣብ እትመላለስ መርከብ ዝወረደ ዕንወት ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0