ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሽዱሽተ የመናውያን ተሰዊሮም

ኣብቲ ንኤርትራን የመንን ዘራኽብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ፣ ሽዱሽተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝተሰወረት የመኒ ፖስት ሓቢሩ።

እቶም ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ደሃዮም ተፊኡ ዘሎ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብኤርትራ ተታሒዞም ኽኮኑ ከምዝኽእሉ ሰበ ስልጣን የመን ጥርጣረታት ከምዘለዎም ይግለጽ።
    ኤርትራ ገፈፍቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ትሕዝ ኣላ ክብል መንግስቲ የመን ብተደጋጋሚ እዋን ከምዝወቕስ ዝፍለጥ’ዩ።
    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ የመን ጉዳይ ብዝሒ ስደተኛታት ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኮይኑ ብምብላ ኣብ እተማርረሉ ዘላ እዋን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት በስገዳድ ክትጥርዝ ከምእትኽእል ይግለጽ ኣሎ።
    ኣብ የመን ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘለዉ መንግስታዊ ምንጪ እታ ሃገር የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0