ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ ግዳያት ዳዒሽ ተኻይዱ

ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ ግዳያት ዳዒሽ ተኻይዱ

Radio Erena: 15 May 2015

stocDemo

ንግዳያት ኣረሜንኣዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ፍሉይ መደብ ምክያዱ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሩ።

ኣብቲ መራሕቲ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስትያናት ማለት ናይ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሶርያን ከምኡ ድማ ህዝቢ ብሓባር ዝተሳተፎ ናይ ዝኽሪ መደብ፣ ነቶም ኣብ ሊብያን ብዳዒሽ ዝተቐትሉ ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸሎተ ፍትሓት ተኻይዱ።

 

ብዘይካ’ዚ፣ ነቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ግዳያት ዝኾኑ ዘለዉ ስደተኛታት’ውን ዝኽሪ ተኻይድሎም።

እዚ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም ዝተካየደ ናይ ዝኽሪ መደብ፣ ፍሉይ ዝገብሮ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ምስታፎም’ዩ።

እቲ መደብ ኣብ ሽወደን ብእትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ዝተወደበ ኮይኑ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ፣ ግብጽን ሶርያን ከኣ ኣብ ጎኖም ደው ብምባል’ዮም ነቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን ግዳያት ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ዝኾኑ ዜጋታት ኢትይጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ሶርያውያንን ካልኦት ሃገራይን ናይ ዝኽሪ መደብ ዘካየዱ።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0