ኣብ ሽወደን፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት መጻሕፍቲ፣ ንህሉው ኩነታት ፕረስ ኤርትራ ዝዝቲ ዝተፈላለየ ርክባት ተኻይዱ

Radio Erena: 26 September 2016

Dawit

ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ዮተቦሪ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት መጻሕፍቲ፣ ብዛዕባ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ህሉው ኩነታት ናጽነት ፕረስን ኤርትራ ዝዝቲ ዝተፈላለየ ርክባት ተኻይዱ።

ኣብቲ ካብ 22 ክሳብ 25 መስከረም ዝተኻየደ ምርኢት፣ መበል 250 ዓመት ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሽወደን ዝተጸንበለሉ ኣጋጣሚ’ውን ብምንባሩ፣ ዝዓበየ ክፋሉ ንናጽነት ፕረስን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተወፈየ’ዩ ኔሩ።

ኣብቲ ዘተ፣ ወከልቲ Free Dawit፣ OneDaySeyoum፣ ዓርቢ ሓርነት፣ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ንናጽነት ፕረስ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ወገናትን ተሳቲፎም።

 

ኣብቲ ኤርትራውያን ሽወደናውያንን ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱን ፖለቴከኛታትን ተራ ዜጋታት እታ ሃገርን ዝተሳተፍዎ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታትን ዝተፈላለየ መዓልታትን ዝተኻየደ ዘተታት፣ እታ ብደረጃ ዓለም ብናጽነት ፕረስ ምስ ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ሽወደን፣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ፕረስ ንኽዓቢ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከምዘየለ ተገምጊሙ።

በንጻሩ ሽወደን፣ ብጉዳይ እቲ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ን15 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዝምልከት ምስ መንግስት ኤርትራ ዘካየደቶ ኣብ ስቕታ ዝተመርኮሰ ዲፕሎማሲ፣ ዝኾነ ፍረ ከምዘይተረኽቦ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ።

Sil

ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዳዊት ኢሳቕን ምስኡ ን15 ዓመታት ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብህይወት ከምዘለዉ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ፣ ንኣባላት ፓርላማ ሽወደንን ካልኦት ፖለቲከኛታት ኤውሮጳን እናዘሩ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዎቶ ዝምልከት ጭቡጥን ወግዓዊን መግለጺ ከየውጽአን፣ ወይ ከኣ ምስ ስድራቤታትም ከየራኸቦምን ክእመን ከምዘይክእል ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ርእይቶ ቀሪቡ።

እዚ ዓመታዊ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ወርሒ መስከረም፣ ኣብ ዮተቦሪ ዝካየድ ምርኢት መጻሕፍቲ፣ ካብ 90 ክሳብ 100 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ከምዝሳተፎ ጸብጻባት እቲ ምርኢት የመልክቱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን እትጻወት ጋንታ ከተማ የተቦሪ፣ ብ24 መስከረም ኣብ ዘካየደቶ ግጥም፣ ተጻወታ ብምኽንያት 15 ዓመታት ማእሰርቲ፣ ነባሪ እታ ከተማ ንዝነበረን ኣብዚ እዋን’ዚ ደሃይ ዘይብሉ እሱር ጋዜጠኛ ኤርትራዊ- ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ፣ ናጻ ክወጽእ ዝጽውዕ፣ ስእሉን Free Dawit ዝተጻሕፎን ማልያ ለቢሶምን ዓቢ ታቤላ ኣንጠልጢሎምን ናብ ሜዳ ወሪዶም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ስታድዮም፣ ብስም ዳዊት ክስመ እንከሎ ፣ ንዝኽሩ’ውን ኣብ ሓንቲ ካብተን መናብር ስእሉ ተነቢሩላ።

ምውዕዋዕ ኣብ ዝግበረሉ መናድቕ እቲ ስታድዮም’ውን ብተመሳሳሊ ዳዊት ኢሳቕ ናጻ ክወጻእ ዝጽውዕ ታቤላታት ኣብ እዋን’ቲ ግጥም ተሰቒሉ ኣምስዩ።

Dawit Foot

ኣብዚ እዋን’ዚ ከም Free Dawitን OneDaySeyoumን ዝብሉ እሱራት ጋዜጠኛታት ናጻ ክወጹ ዝጽውዑ ጎስጓሳት ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን’ውን ጽልዋታት ይፈጥሩ ምህላዎም ዝፍለጥ’ዩ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0