ኣብ ሶማል ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም 15 ሰባት ከምዝተቀትሉ ተገሊጹ

ኣብ ሶማል ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም 15 ሰባት ከምዝተቀትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 02 November 2015

15 killed in so

ሰበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከም መንበሪ ኣብ ዝጥቐምሉ ሆቴል ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ትማሊ ሰንበት 01 ሕዳር 2015 ኣብ ማእከል ከተማ ሞቋድሾ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ሰሓፊ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ እግሪ’ቲ ሆቴል፣ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምፍንጃሩ፣ ቁሩብ አቃይቕ ጸኒሑ ድማ ዕጡቓት ኣልሸባብ ኣብቲ ከባብ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ጽዑቕ ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ ምንጭታት ዜና ሶማል ይጠቕሳ።

 

ብድሕሪ’ዚ ጽዑቕ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፣ ኣብቲ ቦታ ክልተ ተኸታተልቲ ናይ ቦምብ መጥቃዕታት ከምዝተኻየደ’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መብዛሕቶም እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ሰለማውያን ሰባት ምዃኖም እኳ እንተሓበረ፣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ዝወደረ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ግና ኣይጠቐሰን።

ኣልሸባብ ካብ ዝበዝሐ ከባቢታት ሞቛድሾ ከምዝተጸርገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ከተማ ይኹን ካልእ ክፋል እታ ሃገር ግና ጸጥታ ከውሕስ ኣይከኣለን።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0