ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 12 ዜጋታት ኢትዮጵያን የመንን ሞይቶም

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና 12 ዜጋታት ኢትዮጵያን የመንን ሞይቶም

Radio Erena: 26 November 2014

Saudi car

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይነበሮም 12 ዜጋታት ኢትዮጵያን የመንን ከምዝሞቱን 20 ኸኣ ከምዝቆሰሉን ኣራብ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

እቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይነበሮም ዜጋታት ኢትዮጵያን የመንን 350 ኪሎሜተር ካብ ከተማ ርያድ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዳዋድሚ ብክልተ መካይን እናተጓዕዙ’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ሓያሎ ክብቶም ቆሲሎም ዘለዉ ሰባት ብኸቢድ ዝተሃስዩ ብምዃኖም’ውን ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣራብ ኒዊስ የመልክት።

 

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0