ኣብ ስነ ጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ መ/ም ኣስረስ ተሰማ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም

ኣብ ስነ ጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ መ/ም ኣስረስ ተሰማ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም

Radio Erena: 13 July 2015

Asres Tesema

ኣብ ስነጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ፣ ህቡብ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድሚኦም ዓሪፎም።

መምህር ኣስረስ ካብ ቀዳማት ኣባላት ማሕበር ትያትር ኣስመራ ኮይኖም፣ ብርክት ዝበለ መጻሕፍቲ ትግርኛ ዘፍረዩ’ዮም።

‘እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ’ ትዃን ቁንጪ በሊዖም’ ዘርእስታ ህብብቲ ደርፊ ተበርህ ተስፍሁነይ እትርከቦ ብዙሕ ግጥምታትን ዜማና ገዳይም ድምጻውያን ዘፍረዩ መምህር ኣስረስ፣ ፍርያቶም ናብ ህዝቢ ከይቀርብ ብስርዓት ኢትዮጵያ ዝተኸልከለ ምንባሩ’ውን ይዝከር።

 

ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብጽኑዕ ሓሚሞም ዝጸንሑ ገዲም ስነጥበባዊ መምርህ ኣስረስ ተሰማ፣ ብቀዳም 11 ሓምለ ድሕሪ ምዕራፎም፣ ስድራቤትትትቶም፣ ፈተውቶሙን ገዳይምን ሓደስትን ስነ ጥበባውያን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ መንደፈራ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ትማሊ ሰንበት ሓምድ ኣዳም ለቢሶም።

ሬድዮ ኤረና፣ ንስድራቤቶምን ፈተውትን እዞም ኣብ ስነ ጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ መምህር ኣስረስ ተስ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0