ኣብ ሱዳን ኣቦ ወንበር ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ጋዜጣዊ ዋዕላ ከየካይድ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ተኣጊዱ

ኣብ ሱዳን ኣቦ ወንበር ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ጋዜጣዊ ዋዕላ ከየካይድ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ተኣጊዱ

Radio Erena: 08 March 2019

opposition leader of sudan

ኣብ ሱዳን ኣቦ ወንበር ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ጋዜጣዊ ዋዕላ ከየካይድ ብመንግስቲ’ታ ሃገር ተኣጊዱ።

ካብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ዑመር ኣል ዲጋይር፣ ብረቡዕ 7 መጋቢት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከካይድ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝበተኑዎ ገሊጹ።

ዑመር ኣል ዲጋይር፣ ን67 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰኑይ 4 መጋቢት እዩ ናጻ ወጺኡ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠልብ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ መዓልታዊ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይካየድ ከምዘሎ’ዩ ዝፍለጥ። እቲ ፕረዚደንት ነዚ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ንምቁጽጻር፣ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብምእዋጅ፣ ዳርጋ ኩሎም ሰበስልጣናቱ ብወተሃደራት ተኪኡዎም እዩ።

ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ሕጊ፣ ካብ ፍሉይ እዚ ፍቓድ ከይተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ይኹን ኣኼባታት ምክያድ ብሕጊ ከምዘሕትት ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ኣቦ ወንበር ልፍንቲ ተቓወምቲ ውድባት ዑመር ኣልዲጋይር፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ናይ ምዝራብ መሰሉ እንተዓበሱዎ፣ ናብ ደገፍቱ መልእኽቲ ዘመሓላልፈሉ ዝተፈላለየ መንገድታት ከምዘለዎ ይገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0