ኣብ ሱዳን ተጨውየን ዝጸንሓ 19 ኢትዮጵያውያን ተለቒቐን

ኣብ ሱዳን ተጨውየን ዝጸንሓ 19 ኢትዮጵያውያን ተለቒቐን

Radio Erena : 15 April 2015

RashTra

ኣብ ሱዳን ተጨውየን ዝጸንሓ 19 ኢትዮጵያን ደቂንስትዮ ከምዝተለቃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመንግስቲ ዝውነን ማዕከን ዜና ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እተን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ተጨውየን ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምልቓቐን ናብ ዓደን ከምዝተመልሳ ኣረጋጊጹ።

እተን ኢትዮጵያን ኣብቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ሱዳን ተጨየናሉ ዝጸንሓ ግዜ፣ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝወረደን’ውን ገሊጸን።

 

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታትን ብሓባር ብዝገበርዎ ናይ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ጻዕርታት ክልቐቓ ከምዝኸኣላ”ውን ሱዳን ትሪቡን ይሕብር።

ኣብቲ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት እናጨወዩ ስድራቤታቶም ገንዘብ ክኸፍሉሎም ከምዘገድዱ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ናይ ምጭዋይ ተግባራት፣ ኣብ ዶባ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳብ ከባቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ይርአ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ሊባኖስ ከተማ ቤሩት ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ተዋፊራ ዝነበረት ጓል 23 ዓመት ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ተሓኒቓ ከምዝተረኽበት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት’ውን ኣብ ቤሩት ሓንቲ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ካብ ህንጻ ድሕሪ ምጽዳፋ ከቢድ ጉዳት ወሪዱዋ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝባ ከምዘላ እተን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈራ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝፍጸም ከቢድ በደላት፣ ኣብ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ደቂንስትዮ ርእሰ ቅትለት ከምዝፍጽማ ጸብጻባት ሁማን ራይትስ ዎች የመልክት።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0