ኣብ ሱዳን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ክፈላለ ስምምዕ ተኸቲሙ

Radio Erena: 30 March 2021

ኣብ ሱዳን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ክፈላለ ኣብ ዝብል ነጥቢ፣ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ኣቦ መንበር ህዝባዊ ምንቕስቓስ ንሓርነት ሰሜን ሱዳን፣ ዓብደልዓዚዝ ኣል ሒሉን ስምምዕ ከቲሞም።

ነቲ ስምምዕ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ብ28 መጋቢት ኣብ ጁባ ብምርኻብ፣ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት’ዮም ከቲሞሞ።

ኣብ ደቡባዊ እምባታት ኑባ ዝንቀሳቐስ፣ ብዓብደልዓዚን ኣል ሒሉ ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ሕጊ ሸሪዓ ኣፈሪሱ፣ ካብ ሃይማኖት ናጻ ዝኾነ ምምሕዳር ክሳብ ዝእውጅ፣ ናብቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባትን ዕጡቓት ሓይልታትን፣ ኣብ ጁባ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ከምዘይጽነበር’ዩ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ ጸኒሑ።

ኣብ ሱዳን ካብ 1983 ኣትሒዙ ዝተኣወጀ ሸሪዓ፣ ጀነራል ኣልበሽር ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ’ውን ን30 ዓመታት ቀጺሉ’ዩ።

ኣመንቲ ክርስትናን ካልእ መበቆላዊ እምነታትን ዝኾኑ፣ ኣብ ደቡባዊ ሱዳን ዝርከቡ ህዝብታት፣ ንሕጊ እስላማዊ ሸሪዓ ብምቕዋም፣ ክቓለሱ ጸኒሖም።

ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር፣ ቆይሙ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብማዕረ ዝሳተፍዎ ፖለቲካ ሃገር ንምስራሕን ካብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ንምግልጋልን፣ ንኣስታት 37 ዓመታት ዝጸንሐ ሕግታት ሸሪዓ ቀስ ብቀስ ከልዕሎ ይርአ ኣሎ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0