ኣብ ሱዳን፣ ወሰኽ ዋጋ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ንምቅዋም ብዝተጸውዐ ኣድማ፣ ምስ ግብጺ ዘራኽብ ኣውራ መንገዲ ተዓጽዩ

Radio Erena: 03 February 2022

ኣብ ሱዳን፣ ዞባታት ሰሜንን ቀይሕ ባሕሪን፣ ንወሰኽ ዋጋ ኣገልግሎት ኣኤሌክትሪሲቲ ንምቅዋም ኣብ ዝተጸውዐ ኣድማ፣ ሰልፈኛታት፣ ነቲ ምስ ግብጺ ዘራኽብ ንግዳዊ መስመር ከምዝዓጸዉ መርበባት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን፣ ዝተፈላለየ ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ፣ ኣውራ መስመር፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ንምዕጻው ሰልፍታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ 31 ጥሪ ኣትሒዙ፣ ነቲ ኣድማ፣ ሓረስቶት ዝርከብዎም ተወላዶ ሰሜናዊ ዞባ ብብዝሒ ስለዝተጸንበርዎ፣ ሓምዳብ ዝተባህለ ድልድል ዘለዎ፣ ‘ሸርያን ኣል ሸማል’ ዝተባህለ ኣውራ መንገዲ ተዓጽዩ ይርከብ።

ብሰንኪ’ቲ ኣድማ፣ ኣሕምልቲ፣ ፍረታት፣ ኣእካል፣ መሰረታዊ መግብታን ካልእ ናይ ንግዲ ኣቑሑን ዝጸዓና ሎሪታት፣ ብክልቲኡ ወገነ ተዓጊተን ኣለዋ።

ኮሚተ ተቃውሞ ፖርት ሱዳን፣ ካብን ናብን ሱዳንን ግብጺን ዝመላለሳ ናይ ጽዕነት መካይን፣ እቲ ናይ ሰሜናዊ ዞባ ኣውራ መንገዲ ስለ ዝተዓጽወ፣ መንገድታተን እናቐየራ ናብ ፖርት ሱዳን ይኣትዋ ከምዘለዋ ብምጥቃስ፣ ነዚ መንገዲ’ዚ ኣብ ልዕሊ ዝጥቀሙ መራሕቲ መካይን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣብቲ ዞባ ኣተግቢርዎ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ኣገልግሎት ኤሊክትሪክ ክሳብ ዘጕድሎ እቲ ኣድማ ክቕጽል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምዕጻው እቲ መንገዲ፣ ንሓረስቶት፣ ነጋዶን ተጠቐምትን ክልቲኦም ጎረባብቲ ህዝብታት ብኸቢድ ሃስዮዎም ከምዘሎ ማዕከን ዜና ኣል ሞኒተር ኣብ ዘስፈሮ ሰፊሕ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0