ኣብ ሱዳን፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ልዕሊ 1000 ኢትዮጵያውያን ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 02 June 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ሱዳን፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ 1167 ኢትዮጵያን ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተመዝገቡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቶም ዝበዝሑ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ካብ ዝተወልዐ ግጭታት ዝሃደሙ ኮይኖም፣ ብመንገዲ ዞባ ናይል ኣቢሎም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ’ዮም።

ብገዳርፍ ዝኣተዉ 10ታት ኢትዮጵያንው’ን ኣብ ትሕቲ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ኣገልግሎት ዜና ቻይና – ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዝተጎሃሃረ ግጭታት፣ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ጸብጻብ መንግስቲ ኢትዮጵያ የመልክት።

ዲጋ ተሃድሶ ዝህነጸሉ ዘሎ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ምስ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘዋስን ኮይኑ፣ ተደጋጋሚ እዋን ምፍራስ ጸጥታ ከጋጥሞ ጸኒሑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ክልል ጸጥታዊ ስግኣት ክፈጥሩ ጸኒሖም ዝበሎም ልዕሊ 490 ዕጡቓት ኢዶም ከምዝሃቡ ብ31 ግንቦት ገሊጹ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0