ኣብ ሰንዓ ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሓገዝ ይሓቱ

ኣብ ሰንዓ ተዓጊቶም ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሓገዝ ይሓቱ

Radio Erena: 14 April 2015

eriyem

ኣብ የመን ከተማ ሰንዓ ኣብ ሓደ ቦታ ዝርከቡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ትሕትቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ዝተምዝገቡ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ብግዝያውነት ኣዕቑብዎም ዝነበረ ቦታ ብምግዓዙ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይዝኾነ ረዳኢ ከምለዉ’ዮም ዝሕብሩ።

ኣብ ሰንዓ ብዝቕጽል ዘሎ ደብዳብን ግጭት ዝተፈላለዩ ዕጡቓትን ግዳያት ከይኮኑ’ውን ብህጹጽ ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዝሉ መንገዲ ክናደየሎም ህጹጽ ሓገዝ ይሓቱ ኣለዉ።

 

UNHCR ኣማኢት ስደተኛታት ሶማል ካብ የመን ድሕሪ ምውጻእ ብመንገዲ ጀላቡ ናብ ሶማል ምምላሶም ጀሚሩ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሰንዓን ካልኦትን ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ግና ናብ ዝኸድዎ ኣንፈት’ውን ጠፊእዎም ምህላዉ’ዩ ዝሕበር።

ኢትዮጵያ፣ ናብ ዓዱ ክምለስ ንዝደሊ ስደተኛታት ኣብ ምምዝጋብ ክትነጥፍ እንከላ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግና ናብ ዝምለስሉ’ውን ስለዘይብሎም ፍሉይ ቆላሕታ ክግበረሎም’ዮም ዝሓቱ።

ኣብ የመን መብዛሕቶም ዜጋታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾኑ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣምኢት ኤርትራውያን’ውን ኣብ ሖዴይዳ፣ ሰንዓን ጣይዝን ከምዝርከቡ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0