ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ንሕዳር ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ፕረዚደንት፤ ንዓመታ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 27 September 2022

ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ፕረዚደንት፣ ንዝመጽእ ዓመት ክካየድ ተሰጋጊሩ።

እቲ መስርሕ ካብ 13 ሕዳር 2022 ናብ ሓምለ 2023 ከምዝተሰጋገረ ዘረጋገጸ ኮሚሽን ምርጫ እታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ዝርዝር መግለጺ ኣይሃበሉን።

ስልጣኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዘብቅዕ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሲ ቢሒ ዓብዲ፣ ምርጫ ክናዋሕ ከምዝደሊ ዝእንፍት መግለጺታት ኣብ ዝወጽኣሉ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፣ ኣንጻሩ ህዝባዊ ተቓውሞን ናዕቢን ምክያዱ ይዝከር።

ምስግጋር ምርጫ ፕረዚደንት፣ ብኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ድሕሪ ምርግጋጹ፣ ኣብታ ርእሰ ምምሕዳር ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኣብ መንጎ ሰልፍታት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ጎነጽ ከይዓርግ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኣብ 1991 ካብ ሶማል ተፈልያ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ እትርከብ ሶማሊላንድ፣ ዝሓሸ ጸጥታዊ ርግኣትን ምስግጋር መንግስቲን እኳ እንተለዋ፣ ዛጊት ከም ሉኣላዊት ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ኣይተዋህባን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0