ኣብ ሞቛድሹ ትዓለብ ዝነበረት ነፋሪት ተሓምሺሻ፣ 30 ተጓዓዝቲ ድሒኖም

Radio Erena: 18 July 2022

ልዕሊ 30 ገያሾ ጽዒና፣ ብሰኑይ 18 ሓምለ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሞቛድሹ ትዓለብ ዝነበረት ናይ መጓዓዝያ ነፈሪት ተሓምሺሻ።

እታ ነፋሪት፣ ኣብ መሬት ድሕሪ ምዕላባ፣ ከቢድ ነውጽን ባርዕን እኳ እንተገበረት፣ ብምሉኦም ተጓዓዝቲን ሰራሕተኛታትን ካብቲ ሓደጋ ክድሕኑ ክኢሎም።

ጠንቒ እቲ ሓደጋ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

እታ ኣብ ሶማል ብዝመደበሩ፣ መንገዲ ኣየር ጁባ እትውነን ነፋሪት፣ ካብ ባይዶዋ ናብ ርእሰ ከተማ ሞቛድሹ፣ ውሽጣዊ ናይ መጓዓዝያ በረራ ኣብ ምክያድ ‘ያ ኔራ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0