ኣብ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ ናብ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 90 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 December 2019

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቓድሾ ብዝተኻየደ ናብ ቦምባ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 90 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ብዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ ማኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ዝበዝሑ ግዳያት ተመሃሮ ምንባሮም፣ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ሰዓታት፣ ተመሃሮ ዝፍደሱሉን ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ዝወጹሉን ግዜ ብምንባሩ፣ ኣዝዩ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ህዝቢ እዩ ኔሩ ክብል ፖሊስ እታ ከተማ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ መጥቃዕቲ፣ ንህዝቢ ሶማል ንምርዓድ ተባሂሉ ብኣልሸባብ ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

ቀንዲ ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝተኣልመ ከምዝነበረ ዝሓበረ ኣዛዚ ፖሊስ ጀነራል ዓብዲ ሓሰን ሒጃር፣ ኣብ መፈተሺ ንቑጣ ዝነበሩ ሓለዋ ነታ ቦምብ ዝተጻወዳ መኪና ከሕልፉዋ ስለዘይከኣሉ ኣብቲ መፈተሺ ብሎኮ እንከላ ከምዝተፈንጀረ ሓቢሩ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያሎ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ክሞቱ እንከለዉ፣ ብዉሑዱ 125 ሰባት እውን ብፈኵስን ከቢድን ከምዝቖሰሉ ሆስፒታላት እታ ከተማ ኣፍሊጠን።

ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማል፣ ካብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ፣ ዝተራቐቐ ዝጻወድ ቦምባታት ባዕሉ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣጥርዩ ከምዘሎ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0