ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ማልታ ተዓዋቲ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኮይኑ

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ዝደሓነ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ማልታ ተዓዋቲ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኮይኑ

Radio Erena: February 24, 2014

Ibrahim

ኣብ ማልታ ኣብ፣ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ስደተኛታት ካብ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ሓደ ኢብራሂም ሑሰን ኣሕመድ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

እቲ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ፣ ኣብ 2002 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ድሕሪ ምስጋሩ፣ ኣብቲ ዓመተ እቲ ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ብጾቱ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ማልታ ዝሰገረ ምዃኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ።

ኤርትራዊ መንእሰይ ኢብራሂም ሓሰን መሓመድ፣ ኣብ 2012 ብሓይሊ ባሕሪ ማልታ ካብ ባሕሪ ካብ ዝደሓኑ 1800 ስደተኛታት ሓደ ኮይኑ፣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ተታሒዙ ዝጸንሐ’ዩ።

ካብቲ መዳጎኒ መዓስከር ድሕሪ ምውጽኡ፣ ምስ ቅዱስ ፓትሪክ ዝተባህለት ክለብ ኣትለቲክስ ተጸንቢሩ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ ክነጥፍ ጀሚሩ። ኣብ ሓያሎ ውድድራት ብምስታፍ ዝተፈላለየ ሽልማት ክዓትር ክኢሉ።

 

ኣብ 2012-2013 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኣማተር ቅድድም ጉዳይ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ድማ ናይ መጀመርያ ዝዓበየ ዓወቱ ኔሩ። እት ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ዝንኣድ ብቕዓት ከምዘለዎ ማዕከናት ዜና ማልታ ዝምስክራሉ ዘለዋ ኤርትራዊ ኣትለት፣ ዓወቱ በዚ ኣየብቕዐን።

ናብ ማልታ ዝስደተኛ ኮይኑ ካብ ዝኣቱ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ፣ ልዕሊ 3000 ኣትለታት ኣብ ዝተሳተፍዎ፣ ሃገራዊ ውድድር ፍቅሪ ማራቶን 2014 ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ክኢሉ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0