ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፣ ንልዕሊ ክልተ መዓልታት ኣብ ሰንፈላል ዝነበሩ 95 ኤርትራውያን፣ ማልታ ተቐቢላቶም

Radio Erena: 31 July 2020

95 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንልዕሊ ክልተ መዓልታት ኣብ ሰንፈላል ድሕሪ ምጽንሓ፣ መንግስቲ ማልታ ናብ ገማግሙ ክትጽጋዕ ፈቒዱ።

እታ ጃልባ፣ ኣብ ሰንፈላል ኣብ ዝነበረትሉ፣ ሞተራ ጠፊኡ፣ ማይ’ውን ከተልሑኽ ጀሚራ ኔራ’ያ።

ማልታ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ገማግም ባሕራ ክጽግዑ ድሕሪ ምፍቓዳ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዘካየደቶ መርመራ፣ ኣስታት 65 ካብኣቶም ኮረና ቫይረስ ተረኺብዎም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0