ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኤርትራውያን ብምልዕዓል ካብ ዝተኸሰሱ ትሽዓተ ኤርትራውያን ሓደ ጥራይ ናጻ ተባሂሉ

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኻየደ ተቓውሞ ኤርትራውያን ብምልዕዓል ካብ ዝተኸሰሱ ትሽዓተ ኤርትራውያን ሓደ ጥራይ ናጻ ተባሂሉ

Radio Erena: February 11, 2014

Mai Ayni zone

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተላዕለ ተቓውሞ ኤርትራውያን ወዲብኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ካብ ዝጸንሑ ትሽዓተ ኤርትራዉያን ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ፣ እቲ ቤት ቤት ፍርዲ እቶም ሸሞንተ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘለዎ ክውስን እንከሎ፣ ሓደ ካብቶም ክሱሳት መምህር ተስፋሚካኤል ገብረማርያም መብራህቶም ግና ናጻ’ዩ ክብል ወሲኑ።

እቶም ነቲ ብ5ን 6ን ጥቕምቲ 2013 ኣብቲ መዓስከር ዝተኻየደ ተቓውሞ ኤርራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውዳብ ኢድ ከምዝነበሮም ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ ውሳኔ ሂብሎም ዘሎ ኤርትራውያን እዞም ዝስዕቡ’ዮም፣-

 

1. ኤፍሬም ይሕደጎ ወልደገብርኤል
2. ዳኒኤል ሚካኤል ተስፋይ
3. የዕብዮ ትንሱእ ሓደራ
4. ምሕረትኣብ በርሀ ገብረእግዚኣብሔር
5. ኣማኑኤል ሓድገምበስ ተስፋማርያም
6. ሙሴ እሰይ ሰንጋል
7. የማነ ገብረሚካኤል በርሀ
8. መምህር ሺናሽ በየነ ኣባይ’ዮም።

ኣብ ትግራይ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ጸለምቲ፣ ነዞም ዘይሕጋዊ ሰልፊ ብምውዳብን ብሰንኩ ድማ ኣብ ህይወትን ንብረት ጉድኣት ብምውራዱን ኢድ ኔርዎም ዝበሎም ሸሞንተ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ትማሊ ሰኑይ ብይን ክህብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ እቶም ኤርትራውያን እንታይ ብይን ተዋሂቦም ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ሓበሬታ ክበጽሓና ስለዘይክኣለ፣ ኣብ ዝበጽሓና እዋን ናብ ሰማዕቲ ከነቕቦ ኢና።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣቕEዲሙ ብተመሳሳሊ ክሲ ጉዳዮም ክርእዮ ዝጸንሐ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ነበርቲ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ንብነፍሲ ወከፎም ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩ ከምኡ ድማ 2 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ብይን ከምዝሃበ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ሓይሎ ኤርትራውያን ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኤርትራውያን ዝተዋህበ ብይን ፍትሓዊ ኣይነበረን ክብሉ ተቓዊሞሞ።

እቶም ንኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሖም፣ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ኤርትራውያን፣ ንመሰሎም ዝተጣበቑ ደኣ’ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስቲ ኢትዮጵያን ይኹን ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ንዝነብር ኤርትራውያን ንምንዓብ ዝተላዕሉ ከምዘይነበሩ’ውን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹልና ምንጭታት የረድኡ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0