ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ልዕሊ 3 ሽሕ ዶላር ገንዘብ ዝጸንሖም ኤርትራውያን ገያሾ መሰናኽላት ይገጥሞም ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 11 July 2022

ብዝተፈላለየ ጉዳያት ናብ ኢትዮጵያ ክመላለሱ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ገያሾ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ፣ ብጉዳይ ሒዞሞ ዝመጹ ብዝሒ ገንዘብ መሰናኽላት ከምዝገጠሞም ሓቢሮም።

ሓንቲ ስማ ክዕቐበላ ዝመረጸት መንእሰይ፣ ንራድዮ ኤረና ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ብዝዕባ ሒዛቶ ዝመጸት ብዝሒ ገንዘብ ዝሓትት ኮነ ዝምዝግብ ኣካል ከምዘይነበረ ብምጥቃስ፣ ካብታ ሃገር ኣብ እተወጸሉ ዝነበረት እዋን ግና፣ ገንዘባ ብኸመይ መንገዲ ከምዘእተወቶ መረጋገጺ ከተመጽእ እንተዘይኮይኑ ድማ ክህገር ምዃኑ ከምዘፈራርሕዋ ጠቒሳ።

ልዕሊ 3 ሽሕ ዶላር ሒዞም ንዝመጽኡ ገያሾ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከምዝግብዎ ከምዘለዎም ዘገድድ ኣዋጅ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘሎ ኣባላት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝገለጹላ ‘ያ ሓቢራ።

እንተኾነ፣ ንሳ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተበገሰትሉ እዋን፣ ብዛዕባ’ዚ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበራን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓትሉ’ውን ሓበሬታ ዝሃባ ኣካል ከምዘይነበረን ኣመልኪታ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ኤርትራውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ተቐያያሪ ኩነታት፣ ቅድሚ ምብጋሶም ጥሉል ሓበሬታ ክረኽቡ ድማ ኣብ መወዳእታ ምኽራ ለጊሳ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ተኸሲቱ ምስ ዘሎ ፖለቲካውንን ቁጠባውያን ቅልውላው፣ በብዕለቱ ምስ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝተተሓሓዘ ሓድሽቲ ኣዋጃት ይወጻእ ምህላዉ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0