ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሰራዊት ዝተላእከ ምዃኑ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገሊጻ

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሰራዊት ዝተላእከ ምዃኑ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገሊጻ

Radio Erena: 12 April 2018

somali airportኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝተላእከ ምዃኑ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እቲ ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ገንዘብ፣ ንስልጠና ሰራዊት ሶማል ዝተላእከ ምንባሩ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ዝጸንሑ ሓይልታት ጸጥታ ሶማል፣ ነቲ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተላእከ ገንዘብ ምህጋሮምን ንኣባላት ጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምክልባቶምን ኮኒኑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብዛዕባ መግለጺ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምላሽ ኣይሃበን ዘሎ።

ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናብ ሶማል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክኣቱ ዝተፈተነ 9.6 ሚልዮን ዶላር፣ ብ8 ሚያዝያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ከምዝተታሕዘ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ኣቐዲሙ ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከምዘሎ ጠቒሱ’ዩ።

እቲ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ሳናጡ ተዓሺጉ ናብ ሶማል ክኣቱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ሞቛድሾ ዝተታሕዘ ገንዘብ፣ ብናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ሮያል’ዩ ብፍሉይ ሓለዋ ናብ ሶማል ተላኢኹ።

ብጉዳይ ኣብ ቀጠር ዘለወን ዝተፈላለየ መርገጺ፣ ዝምድንአን ክተኣጓጎል ዝጸንሐ ሶማልን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብን፣ ስምምዕ ወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተደሚርዎ ናብ ዝበኣሰ ኣንፈት ኣምሪሑ ይርከብ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብምሽራኽ፣ ንኣገልግሎታት ወደብ በርበራ ከተመሓድር ብምስምምዓ፣ ንሉኣላውነትን ሓድነትን ሶማል ዝግህስ’ዩ ክብል መንግስቲ ሶማል ናብ ባይቶ ጸጥታ ክሲ ከምዘቕረበ ይዝከር።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0