ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ፣ ንሰኑይ ክቕጽል’ዩ

Radio Erena: 14 June 2020

ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ፣ ንሰኑይ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።

ወከልቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ብ9 ሰነ ዝጀመሩዎ ኣኼባ፣ ዛጊት ፍረ ዘይተረኽቦ እኳ እንተኾነ፣ ብሱዳን ዝዳሎ እማመ ንምስማዕ ንሰኑይ 15 ሰነ ክቕጽል እዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሰበስልጣን ግብጺ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ኣኼባ ምቕጻሉ ሕጉሳት እኳ እንተኾኑ፣ ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዘላ መርገጺ ግና ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን ኢሎም።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብወገኖም፣ ግብጺ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክገብር እትገብሮ ዘላ ጎስጓስ ደው ከተብል ጸዊዖም።

ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይ ግብጺ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ጉዳይ 150 ሚልዮን ዜጋታት ግብጽን ሱዳንን እዩ ድሕሪ ምባል፣ ብተደጋጋሚ ክፈሽል ዝጸንሐ ዝርርብ ሰለስቲኤን ሃገራት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ትጽቢት ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ዝካየድ ዘተ፣ ድሕሪ’ቲ ብኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ዝተማእከለ ዘተ ኢትዮጵያ ምስሓባ፣ ደስኪሉ እዩ ጸኒሑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0