ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኦነግን ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

Radio Erena: 04 May 2023

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንገዛ ርእሱ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ‘ኦነግ ሸኔን’፡ ኣብ ታንዛንያ፣ ንሓደ ሰሙን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ።
“ወላ’ኳ እቲ ዘተ ሃናጺ እንተነበረ፡ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብዚ ዙርያ ናይ ዘተታት ኣብ ገለ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣይተኻእለን” ክብል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፈ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚንስተር፣ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ገሊጹ።
ኣምባሳደር ሬድዋን፣ ኣብቲ ብ03 ግንቦት ብትዊተር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ዘተ ዋላ’ኳ እንተዘይተዓወተ፣ ግጭት ብሰላማውን ነባርን መንገዲ ንምፍታሕ ክልቲኦም ወገናት ዝርርባት ክቕጽሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኦነግ ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ’ኳ እንተተበጽሐ፡ ኣብ ወሰንቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከምዘይተኽእለ፣ መርበብ ዜና ኣዲስ ስታንዳርድ ኣመልኪቱ።
ምስ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን-ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ብሰላማዊ መንገዲ፣ ብፖለቲካዊ ዘተ፡ ንምፍታሕ ቅሩብ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብኦነግ ሸኔ ዝፍለጥ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ካብ 25 ሚያዝያ ጀሚሮም፣ ኣብ ታንዛንያ፣ ደሴት ዛንዚባር፣ ንትሽዓተ መዓልታት ‘ዮም ክዛተዩ ቀንዮም።
እቲ ብመንጎኝነት ኬንያን ኖርወይን ክካየድ ከምዝቐነየ ዝተሓበረ ዘተ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለን ከቢድ ክሳራታት ዘውረደን ጎነጽ ንምውጋድን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይን ዝዓለመ እዩ ኔሩ።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ ግንቦት 2021 ጀሚሩ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ሰፊሩ ይርከብ ።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0