ኣብ መንገዲ ጁባ – ኒሙለ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ መንገዲ ጁባ – ኒሙለ፣ ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 02 December 2015

Juba Nimule

ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ኣብ ዘካየደሉ መንገዲ ጁባ – ኒሙለ፣ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣውቶቡስ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሓደ ኤርትራዊ ዝርከቦም ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቀትሉ ድሒሩ ዝበጽሓና ዜና የረድእ።

ኣብቲ ካብ ጁባ ናብ ካምፓላ ተምርሕ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብ19 ሕዳር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ናይ ሓይሎ ሰባት ሃለዋት ጠፊኡ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋዜጣታት ኡጋንዳ- ኒው ቪዥን፣ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቀትሉ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት፣ ናይቶም ሰለስተ ሰባት ሬሳ ዝሓተሉ ስኢኑ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከብ ጠቒሳ ኣላ።

 

ካብቲ ሓታቲ ስኢኑ ዘሎ ሬሳ ሓደ ኤርትራን ሓደ ኢትዮጵያን ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሳልሳይ ከኣ ሩዋንዳዊ ምዃኑ እታ ጋዜጣ ንመግለጺ ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ፍረድ ኢናንጋ ብምጥቃስ ኣመልኪታ።

እቲ ኣፈኛ ብዘይካ’ዚ መንነቶም ዘይተነጸረ 10 ተሳፈርቲ እታ ኣውቶቡስ’ውን ድሕሪ መጥቃዕቲ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ በቶም ዕጡቓት ጅሆ ተታሒዞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣረዲኡ።

ዝሓለፈ ሰሙን’ውን፣ ናብ ካምፓላ ኣብ ልዕሊ ዘምርሓ ዝነበራ ክልተ ኣውቶቡሳት ኣብቲ መስመር ብዘጋጠመ መጥቃዕታት ሸውዓት ተጓዓዝቲ ክቕተሉ እንከለዉ 17 ከኣ ከምዝቖሰሉ ጸብጻብ’ታ ጋዜጣ የረድእ።

ኡጋንዳ ኣብቲ ዕሙር ንግዳዊ ለውውጥ ዝካየደሉ ናብ ጁባ ዝወስድ መንገዲ ኒሙለ፣ ንዘጋጥም ዘሎ ምስ ስርቂ ዝተተሓሓዘ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት ንምቁጽጻር ተወሰኽቲ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊራ ኣላ።

ኣፈኛ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ፊሊፕ ኣጉዌር’ውን፣ ድሕሪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ሓይልታት ጸጥታ ሃገሩ ኣብ መስመር ጁባ ኒሙለ ተዋፊሮም ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ንካምፓላን ጁባን ዘራኽብ መስመር ኒሙለ፣ መዓልታዊ ኣማኢት ናይ ጽዕነትን ናይ ተጓዓዝትን መካይን ካብን ናብን እዘን ከተማታት ይመላለሳ።

ኣብዚ ዕሙር ንግዳዊ ልውውጥ ዝካየደሉ መስመር ዝዋፈሩ ከተርቲ ከኣ መብዛሕቶም ካብ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ምዃኖም ይንገር።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0