ኤርትራ፣ ኣብ መበል 28 ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ቡርኪናፋሶ፣ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ

ኤርትራ፣ ኣብ መበል 28 ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ቡርኪናፋሶ፣ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ

Radio Erena: 09 November 2015

Cycbur

ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ መበል 28 ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ፣ ኤርትራ መበል ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።

ኣብቲ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ ትማሊ ሰነብት 8 ሕዳር ዝተኻየደ፣ 10 መድረኻት ዘጠቓለለ ቅድድም ብሽክለታ፣ ብውህሉል ነጥቢ ሞርኮ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላይ፣ ኣአንጋዲት ሃገረ ቡርኪናፋሶ ከኣ ካልኣይ ደረጃ’ያ ሒዛ።

ነዚ ቅድድም ክትዕብልሎ ትጽቢት ዝተገብረላ ኤርትራ፣ ተቐዳደምታ ኣብ ማይ መድረኽ ውድድራት ኣንጸባራቒ ዓወታታ ከመዝግቡ እኳ እንተኽኣሉ፣ ኣብ ህሉል ነጥቢ ግና፣ ሳልሳይ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ።

 

ኣብ ሓፈሻዊ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ ውልቂ ከኣ እቲ ዝሓሸ ውጽኢት ዘመዝገበ ኤርትራዊ ተቐዳዳምይ፣ መኽሰብ ደበሳይ ሻድሻይ ደረጃ ብምሓዝ’ዩ ንዙር ቡርኪና ፋሶ ዛዚምዎ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0