ኣብ ሊብያ ኣስታት 70 ኤርትራውያን ተጨውዮም

ኣብ ሊብያ ኣስታት 70 ኤርትራውያን ተጨውዮም

Radio Erena: 12 May 2015

70 Erin Lib

እዞም ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጨውዩ ኤርትራውያን ንኽልቀቑ ሒዞም ዘለዉ ዕጡቓት ንነፍሲ ወከፎም ኣስታት 3500 ዶላር ክኽፈለሎም’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ኣብ ሲናይ ዝካየድ ዝነበረ ምጭዋይን መሸጣን ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ እኳ እንተሃለወ፣ በንጻሩ ኣብ ሊብያ ገኒኑ ይርአ ኣሎ።

ነዞም ኣስታት 70 ዝኾኑ ኤርትራውያን ጨውዮም ዘለዉ ዕጡቓት ዜጋታት ሊብያን ጫድን ክኮኑ ከምዝኽእሉ፣ እቶም ተታሒዞም ሓገዝ ዝሓቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ይእንፍቱ።

 

ኣብ ሊብያን ማእከላይ ባሕሪን ዘሎ ኩነታት እናባኣሰ ይመጽእ እኳ እንተሎ፣ ካብ ሱዳን እናተበገሱ ናብ ሊብያ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ቁጽሪ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን፣ ሶማልን ካልኦትን ግና ዛጊት ክጎድል ኣይከኣለን።

ኣብ ሊብያ ብዘይካ’ቶም ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝፍጸም ዘሎ ምጭዋይ ስደተኛታት፣ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ’ውን 10ታት ስደተኛታት ሒዙ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቶም ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ደላሎን ተሓባበርቶምን ካብ ዝኾነት ሃገር ብምህዳን ናብ ሕጊ ንምቕራቦምን፣ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስግጋር ከገልግላ ይኽእላ’የን ተባሂለን ዝጥርጠራ ጀላብ ኣብ ገምጋም ባሕሪ ሊብያ ንምዕናወንን ካብ ባይቶ ጸጥታ ፍቓድ ክወባኦ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ምላሽ ክረክብ’ውን ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ሕብረት፣ ነዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኢሉ ዘቕረቦ ውጥን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደገፍ እንተረኺቡ፣ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ካልኦት ስደተኛታት ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝሰግርሉ ኣጋጣሚታት ክውሕድ ይኽእል’ዩ።

እንተኾነ፣ እዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ውጥን፣ ነቶም ናብ ዓዶም ከይመልሱን ይኹን ናብ ኤውሮጳ ከይሰግሩ ኣብ መንጎ ተቀርቒሮም ዝርከቡ ከም ኤርትራውያን ዝኣመሰሉ ስደተኛታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ብምባል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይቓወሙ።

=================================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0