ኣብ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር እቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተወደበ ናይ መኸተ ኣኼባ ተቓውሞ ኣካይዶም

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ኣንጻር እቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተወደበ ናይ መኸተ ኣኼባ ተቓውሞ ኣካይዶም

Radio Erena: 01 February 2016

London

ኣብ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ኣንጻር እቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተወደበ ናይ መኸተ ኣኼባ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብሰንበት 31 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ከተማ ሃመርስሚዝ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብዘይካ’ቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተወደብ ኣኼባ ምቅዋም፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ 10ታት ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ነቲ “ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን” ዝብል ብደገፍቲ ህግደፍ ክኽተም ዝቐነየ ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከምዝኾነኑ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

 

 

ስእሊ፣ ካብ ፌስቡክ

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0