ኣብ ህሉውን መጻኢን ሱዳን ዝዘተየ ዋዕላ ‘ሕቡራት ሃገራትን ነርወይን’ ተኻይዱ

Radio Erena: 04 October 2021

ብሕቡራት ሃገራትን ነርወይን ዝተማእከለ፣ ብዛዕባ ህሉውን መጻኢን ሱዳን ዝዘተየ ዋዕላ ተኻይዱ።

ኣብቲ ብ30 መስከረም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ሚኒስተር ጊዳያት ወጻኢ ነርወይ፣ ኢን ኤሪክሰን ሶረይድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክን፣ ዝርከብዎም ሓያሎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝተፈላለያ ዕዱማት ሃገራት ተኻፊሎም።

ብሲቪሊን ኣባላት ሰራዊትን ብዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ እትመሓደር ዘላ ሱዳን፣ ናብ ስቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋራ ኣብ እትገብሮ ዘላ መስርሕ፣ ካብ ወገን ሰራዊት መሰናኽል የጋጥም ከምዘሎ’ዩ ዝስማዕ።

ብፍላይ ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ሰራዊት ብስም ምርግጋእ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ስልጣን ከይብሕት ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከይተዓናቐፍ የጠንቅቓ ኣለዋ።

እቲ መስርሕ እንተተዓናቒፉ፣ ኣብ ቁጠባን ፖለቲካን ሱዳን ከቢድ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ፣ ኣመሪካ ብመንገዲ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብታ ሃገር ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኻ፣ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ክትገልጽ እንከላ፣ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕዳ ሱዳን ንኽስረዝ ዓቢ እጃም ዘበርከተት ፈረንሳ ብወገና፣ ኣብ ካርቱም ብእትርከብ ኣምባሳደራ ኣቢላ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣሕሊፋ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር ኣብ ሚያዝያ 2019፣ ካብ ሰራዊትን በርጌስን ብዝተዋጽአ መሰጋገሪ መንግስቲ ክትምራሕ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ካብ ሕዳር 2021 ንደሓር፣ ስልጣን ሃገር ብሲቪል ናብ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክርከብ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ዝቐውም ናይ ሲቪል መንግስቲ ብወገኑ፣ ኣብ 2024 ንዝካየድ ሓፈሻዊ ዲሞክራስያዊ ምርጫ እታ ሃገር ምቹእ ፖለቲካዊ ባይታ ከጣጥሕ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ ክኸውን’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0