ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካየደ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ጸብጻብ ውጽኢት ዑደቱ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 16 May 2021

ካብ 4 ክሳብ 13 ግንቦት ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካየደ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ጸብጻብ ውጽኢት ዑደቱ ኣቕሪቡ።

ጀፍሪ ፈልትማን ኣብ ጸብጻቡ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ምህላዉን፣ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታትን ኣዋርሕን ዝውሰድ ውሳኔታት ከኣ ንምርግጋእ’ቲ ዞባ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ርክብ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕጽበት ክካየድ ኣለዎ ምባሉ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ፣ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕዙዝ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ንኩሎም ዜጋታት ዝሓቖፈ ሃገራዊ መስርሕ ፖለቲካ ምክያድ መታን ክከኣል፣ ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ብሓባር ምስራሕን፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ወሳንነት ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ዝካየድ ዘተ ዳግማይ ክቕጽል ጸቕጥታት እተካይድ ዘላ ኣመሪካ፣ ነቲ ኣብ ሓምለ ናይ 2020 ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ መግለጺ ከም እትድግፍ፣ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንኽብጻሕ ከኣ ፋይናንስያዊን ፖለቲካዊን ደገፍ ከምእትገብር ገሊጻ።

እዚ ብጀፍሪ ፈልትማን ዝተመርሐ ፍሉይ ልኡኽ፣ ዝቕጽል ደረጅኡ፣ ብፕረዚደንት ባይደን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምትግባር ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዑደት ምክያድ እዩ።

 

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0