ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት፣ ልዕሊ 1500 ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 24 January 2022

ኣብ ዓመተ 2021፣ ኣብ ሆላንድ 36,620 ሓተቲ ዑቕባ ከምዝተመዝገቡ፣ ንጸብጻብ በዓል መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ሸንገን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ኣብዛ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ፣ ብ1,576 ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ብብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሆላንድ፣ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ተሰሪዐን ዝርከባ ሃገራት፣ 14,904 ሶርያውያን፣ 3,425 ዜጋታት ኣፍጋኒስታን፣ 3215 ቱርካውያን፣ እቶም 1855 ድማ የመናውያን’ዮም።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2021፣ ጠቕላላ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ፣ 4,578 ከምዝነበረ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፣ ካብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ወርሒ ሕዳር፣ ብ18% ከምዝጎደለ ኣገንዚቡ። እቶም ልዕሊ ፍርቂ ወይ 2,417፣ ሓደስቲ ዑቕባ ንኽሓቱ ዝተመዝገቡ’ዮም።

ካብዚኣቶም’ውን እቶም 114 ዜጋታት ኤርትራ ምዃኖም እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ብመርዓን ምጥርናፍ ስድራቤታትን፣ ኣብ 2021 ናብ ሆላንድ ካብ ዝኣተዉ 1,187 ወጻእተኛታት እቶም 85 ኤርትራውያን ኮይኖም፣ ብብዝሒ ድማ ድሕሪ ሶርያውያን (774) ካልኣይ ደረጃ ይሕዙ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ነርወይ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ኣብ ንጥፈታት ህግደፍ ከምዝዋስኡ እንተረጋጊጹ፣ ናብ ዓዶም ክመልሶም ተኽእሎ ከምዘሎ መርበባት ዜና ሓቢረን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0