ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ፣ 3494 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር ዑቕባ ሓቲቶም

Radio Erena: 25 April 2017

UNHCR

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብዝልዓለ ናህሩ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ መጋቢት ጥራይ 3494 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘማሓላለፎ ሓበሬታ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይቕጽል ከምዘሎ ብምምልካት’ዩ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈር ወርሒ ናብ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዘነጸረ።

እንተኾነ ክንደይ ካብኣቶም ሲቪል ክንደይ ከኣ ኣባላት ሰራዊት ምንባሮም እቲ ጸብጻብ ኣይሓበረን።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ወሰኽ ደሞዝ ሰራዊት የተግብር ኣለኹ ካብ ዝበለሉ ኣብዚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝሰገሩ በብእዋኑ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ብደረጃ ዓለም ኣዛራቢ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ፣ ምስ ናይ ኤርትራ ዝወዳደር ጸጥታ፣ ሰላም፣ ርግኣትን ምዕባለን የለን ክብሉ ኣብ ባይታ ዘየለ ፕሮፖጋንዳታት ከጋውሑ’ዮም ዝስምዑ።

እንተኾነ፣ እዞም ደገፍቲ ህግደፍ ንባዕሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡን ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ናይ ምንባር ሕልሚ’ውን ዘይብሎም’ዮም ክብሉ ድማ ተቓወምቲ ወገናት ይነቕፍዎም።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0